ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ጸብጻብ ዛጊት ፈሊጥናዮ ዘለና ሓቅታት፡

ኢራን ንእስራኤል ካብ ተጥቅዓ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት፡ ኣብ ናይ ኢራን ከተማ ኢስፋሃን ፡ኣብ ዉሽጢ ኢራን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ዘሻቕል ዜና ኮይኑ ኣሎ፡ ዛጊት ተፈሊጡ ዘሎ እዚ ዝስዕብ እዩ ።

ኣብ ኢራናዊት ከተማ ኢስፋሃን ፡ ሰማያዊ ህንጻታትን ህዱእ ሰማያትን ኣሎ ።

ኣብ ጥቓ ማእከላይ ኢራናዊት ከተማ ኢስፋሃን ነታጒ ከም እተሰምዐ ተሓቢሩ ። Source: Getty / Lukas Bischoff

ማዕከናት ዜና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ከተማ ኢራን ዝኾነት ኢስፋሃን ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ይሕብራ ኣለዋ ።
እቲ ጸብጻባት ዝመጽእ ዘሎ ፡ ኢራን ንፈለማ ግዜ ኣብ ልዕሊ መሬት እስራኤል ልዕሊ 300 ድሮናትን ሚሳይላትን ከም ዝዘነበ ካብ ዝግለጽ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ እዩ ።
ግዚያዊት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራሊያ ካቲ ጋላገር ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ፡ "ኣውስትራልያ ብጌጋ ዝግበር ግጉይ ውሳነታን ኣብቲ ዞባ ግጭት ኺልዓልን ከግብር ዝኽእል ተግባራት ኣመና ዘተሓሳስባ ኮይኑ ኣሎ" በለት ።

"እዚ ንዋላ ሓደ ዘርብሖ የብሉን ። ኵሎም ወገናት ፡ ካብ ሕምስምስ ዓመጻ ንምርሓቕ ፡ ርእሶም ኪገትኡን ንድሕሪት ክምለሱን ንምሕጸን ።
"ኣውስትራሊያ ነቲ ወጥሪ ንምንካይ ምስ መሻርኽቲ ምስራሕ ክትቅጽልን ተወሳኺ ናብቲ ዞባ ግጭት ንኸይፍጠር ክትሕግዝን እያ ።"

ብዛዕባ እቲ ኣብ ውሽጢ ኢራን ዘጋጠመ ነትጒን ዝሰዕበ ተጋራጫዊ ጸብጻባትን ክሳዕ ሕጂ እንፈልጦ ነገር ኣሎ ።

እቲ ነትጒ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ከባቢ ኣበይ እዩ?

ናይ ኢራን ፋርስ ዜና "ሰለስተ ነተጕቲ" ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣውራጃ ኢስፋሃን ዝርከብ ናይ ሸካሪ ሰራዊት ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ከም እተሰምዐ ክሕብር ከሎ ወሃቢ ቃል ናይ ኢራን ናይ ጠፈር ትካል ሆሴን ዳሊርያን ድማ "ብዙኅ" ድሮን "" ብዕዉት መገዲ ተወቒዑ "ኢሉ ።

ዳሊርያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኤክስ. ፡ "ብዛዕባ እቲ ሕጂ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዝገልጽ ጸብጻብ የለን" በለ ።

ኣብ ኢስፋሃን ዝርከብ ኑክልየሳዊ መሳለጥያታት ፡ "ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዘተኣማምን" ከም ዘሎ ፡ ማዕከን ዜና ኢራን ታስኒም ሓቢሩ ።

እቲ ወኪል ዜና ኢሪና (IRNA )፡ "ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣየር ዘጋጠመ ዝዀነ ይኹን ሓደጋ ፡ ብዙሕ ጕድኣት ወይ ዓብዪ ነትጒ ከም ዘየጋጠመ ዝሕብር ጸብጻባት የለን" በለ ።

እቲ ኣብ ኢስፋሃን ዝለዓለ ወተሃደራዊ መኮነን ብርጋዴር ጀነራል ሲቫሽ ሚሃንዶስት ንቴለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እቲ ሰባት ዝሰምዕዎ ብርቱዕ ድምጺ ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ባይታ ዘይኰነስ ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣየር ዘሎ ናይ ዒላማ ተዅሲ እዩ ።

ኢራን እንታይ ግብረ መልሲ ሂባ?

ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ኢራናውያን ከተማታት ናይ ኣየር መከላኸሊ ኣገባባት ድሉው ክኸውን ከምተገብረን ከምዝተንቀሳቐሰ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ።
ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና መሓር ፡ እቲ ኢስፋሕን ሺራዝን ናብ ከተማታት ቴህራን ዝገብርዎ ዝነበሩ በረራታት ፡ ኣብ እተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ደው ኢሉ ይርከብ ።
ኣብ በረራ ዝከታተል ሶፍትዌር ፡ ካብ ምዕራባዊ ኢራን ፡ እንተላይ ካብ ኢስፋሃን ፡ ካብ ቴህራን ብሰሜንን ብምብራቕን ዝግበር ናይ ንግዲ በረራታት ደው ኢሉ ኣሎ ።
ሓንቲ ድሮ ናብ ጤህራን ነቒላ ዝነበረት ነፋሪት ፍሊዱባይ ፡ መዓርፎ ነፈርቲ ኢራናውያን ምስ ተዓጽወ ናብ ዱባይ ክትምለስ ከምተገደደት መገዲ ኣየር ኤማራቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ።

እቲ ኣብ ኢራን ዝርከብ ትካል ዜና መሀር ፡ "ኣብ ልዕሊ ኢስፋሃን ድምጺ ተሰሚዑ" ከም ዘሎ ሓቢሩ እኳ እንተ ነበረ ፡ እታ ከተማ "ምሉእ ብምሉእ ህድኣትን ውሕስነትን ዘለዋ" ከም ዝዀነት ኣልጀዚራ ጸብጺቡ ።

ካል ኦት ሃገራት ብዛዕብዛዚ ጉዳይ እንታይ በላ?

ዋሽንግተን ብዛዕባ እቲ እስራኤል ትገብሮ መጥቃዕቲ ኣቐዲሙ እኳ እንተ ተነግራ ፡ ነቲ መጥቓዕቲ ግና ኣየተባብዐቶን ወይ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢዳ ከምዘይትሕውስን ኣፍሊጣ ምንባራ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ገሊጸን ።
ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዝርከባ ማዕከናት ዜናታት ABC ን CBS News ን ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብእስራኤል ከም እተፈጸመ ንሰብ መዚ ኣመሪካ ብምጥቃስ ጸብጺበን ። ካብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ወይ ካብ ፔንታጎን ብቐጥታ እተዋህበ ርእይቶ ኣይነበረን ።

ሰራዊት እስራኤል ንኣጃንስ ፍራንስ-ፕረስ ፡ "ኣብዚ እዋን እዚ ርእይቶ የብልናን" ክብል ገሊጹ ።

ኣብ መንጎ እስራኤልን ኢራንን ንምንታይ እዚ ወጥሪ ተፈጢሩ?

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ጋዛ ውግእ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ፡ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ መላእ እቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ፈጺሞም እዮም ።
ናይ ሊባኖስ ሕዝቦላህን ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስን ብኢራን ዝድገፉ እዮም ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ግና ፡ እቲ እስራኤላውያን ብኢራን ዝገብርዎ ዝነበሩ ቀጥታዊ ምልውዋጥ ፡ ናብ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኩነታት እዩ ኣትዩ ዝርከብ።

ብ1 ሚያዝያ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ደማስቆ ዝርከብ ኢራናዊ ቆንስል እተፈጸመ ቀታሊ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሓያል መጥቃዕቲ ከም እተፍኑ ድሕሪ ምግላጻ፡ ቴህራን ብቐዳም ብኣማእታት ዝቝጸር ሚሳይላትን ድሮናትን ከም ተኰሰት እዩ ዝንገር ።
እስራኤል ነቲ መጥቃዕቲ ምላሽ ከም እትህበሉ ተመባጺዓ ነይራ ።

ዓርቢ ኣብ ውሽጢ ኢራን ነተጕቲ ቅድሚ ምስምዑ ነዊሕ ሰዓታት ኣቐዲሙ ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኡ ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ብእትፍጽሞ ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ 'ክትጠዓስ "ምዃና ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሆሴን ኣሚር-ዓብዶላህያን ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ጉዳይ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ፡ ነቲ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኣብ ቀዳመ-ሰንበትዘካየደቶ መጥቃዕቲ ናይ ምክልኻል ንጥፈታት ፡ "ሕጋዊ መከላኸሊ" ኢሉ ድሕሪ ምጽውዑ ፡ እስራኤል "ዝኾነ ተወሳኺ ወተሃደራዊ ተርእዮ ደው ከተብሎ ኣለዋ" ኢሉ ።
ብሓሙስ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነታት ሕማቕ ስእሊ ከምዘሎ ሓቢሩ: እቲ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል እተካይዶ ዘላ መጥቃዕትን ሓያል ውጥረት ክፈጥር ከም ዝኽእል ድማ ኣጠንቀቐ ።
"ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ሓደ ጸድፊ እዩ ዘሎ ። ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ፡ ብቓልን ብግብርን ኣብ ሓደገኛ ኵነታት ወዲቑ ከም ዘሎ ጉተረስ ንባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ እዩ ።
"ሓደ ከየሰላሰልካ ዝግበር ግጉይ ውሳነታት ፡ ሓደ ጌጋ ፡ ማለት ሓደ ጌጋ ፡ ናብቲ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ፡ ማለት ኣብቲ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ጕዳይ ዝሳተፉ ሰባት ዝጐድእ ዞባዊ ግጭት ክመርሕ ይኽእል እዩ" በለ ። ኵሎም ወገናት "ዝለዓለ ምግታእ" ክገብሩ ድማ ጻውዒት ኣቕረበ ።

Share
Published 19 April 2024 6:12pm
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: AFP, SBS


Share this with family and friends