'ልዕሊ ክግለጽ ዝከኣል ጥፍኣት': ኣብ ቦንዳይ ብኻራ ተጠቢሖም 6 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎም ኣውስትራሊያ ኣብ ስንባድ ትርከብ።

ብቐዳም ምሸት ኣብ ምብራቕ ከተማ ሲድኒ ድሕሪ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት፡ ህዝቢ ሓዘኑ ይገልጽ ኣሎ።

A smiling woman holds a baby in her arms.

First-time mother Ash Good was killed in a stabbing attack at Westfield Bondi Junction in Sydney. Source: Supplied

ሓደ ሰብ ንሓሙሽተ ኣንስትን ሓደ ሰብኣይን ዝርከብዎም ሽዱሽተ ሰባት ብዘሰክሕ ኣገባብ ድሕሪ ምቕታሉ ፡ ሲድኒን ኣውስትራልያን ኣብ ስንባድ ወዲቖም ኣለዉ። ብቀዳም ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ማእከል ዌስትፊልድ ቦንዳይ ጃንክሽን ማእከል ዕዳጋ 12 ካልኦት ሰባት'ውን ብኸቢድ ቈሲሎም እዮም ።

እቲ ቀታሊጸኒሑ ብፖሊስ ተቐትለ ።

ኣሽ ጉድ እትበሃል ኣደ ብኻራ ተወጊኣ እናተሳቐየት ፡ ነታ ትሽዓተ ወርሒ ዉሉዳ ክትድሕነላ እናተማሕጸነት ፣ ሃለዋታ ከምዘጥፈአት Daily Telegraph ጸብጺቡ ።

እታ ኣደ ድሒራ ጓላ ሃሬት ኣብ ሆስፒታል እናሃለወት ቀዳም ምሸት መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባራ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠማ መጉዳእቲ ከም ዝሞተት ኮሚሽነር ፖሊስ NSW ካረን ዌብ ንጋዜጠኛታት ሓቢራ ።

'ዘስካሕክሕ ተግባር'

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ቀዳም ምሸት ኣብ ካንበራ ክዛረብ ከሎ: ነቲ "እዚ ዘስካሕክሕ ተግባር" " ልዕሊ ብቓላት ኰነ ምስትውዓል" ክግለጽ ዘይከኣል እዩ ብምባል ኰኒንዎ ።
"Australians will be shocked to see them," he said, adding that the attack was "indiscriminate".

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልባነሰ ነቲ ብፖሊስ ፡ ዝተዋህበ ናይ መጀመርታ ምላሽን ከም ኡውን "ተራ ሰባት" ክሕግዙ ኢሎም ናብቲ ቅልውላው ዝኣተዉ ሰባት ዝፈጸምዎ ጅግንነታዊ ተግባር ኣድኒቑ ። ነቶም ቊሱላት ዝከናኸኑ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን እውን ንኢድዎም እዩ ።
ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን በቲ ኣብ ሲድኒ ዘጋጠመ "ዘይሰብኣዊ መጥቃዕቲ" ኣዝዮም ከምሰምበዱን ኣመና ዝጎሃዩን ገሊጾም።

እቲ ንጉስ ብዛዕባ እዚ ክገልጽ ከሎ ፡ "ኣነን ሰበይተይን ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቦንዲ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ምስ ሰምዕና ፡ ኣዚና ሰምበድና ፡ ኣዚና እውን ሓዚና ።


ፈደራል ፖሊስ ኣውስትራሊያ / AFP / ኮሚሽነር ሬስ ከርሻው ን NSW ፖሊስ ኣብ ዝገብርዎ ምርመራ ይሕግዝ ኣሎ ።

ከርሻው ፡ እቲ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ ድዩ ኣይኰነን "ክብል ግዜኡ ከምዘይበጽሐ ገሊጹ እዩ ።

Readers seeking support with mental health can contact Beyond Blue on 1300 22 4636. More information is available at supports people from culturally and linguistically diverse backgrounds.

Share
Published 14 April 2024 10:21am
Updated 14 April 2024 10:51am
Source: SBS


Share this with family and friends