ኣብ ቻይና ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ምስትንፋስ ፡ ብደረጃ ዓለም ክኽሰት ዝኽእል ለበዳ ምልክት ክኸውን ይኽእል ዶ? ክኢላታት እንታይ ይብሉ

እዚ ናይ ምስትንፋስ ሕማማት እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ቻይና ነቲ ናይ መጀመርታ ምሉእ ወቕቲ ሓጋይ ነቲ ጽኑዕ ናይ ኮቪድ-19 ቀይድታት ካብ ተልዕሎ ንደሓር እዩ ።

Children wearing face masks.

ኣብ ቻይና ምልዓል እገዳ ኮቪድ ናይ ቆልዑ ተጻዋርነት ንልሙዳት ሕማማት ጎዲሉ ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ። Source: AAP / Andy Wong/AP

ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ ብትካል ጥዕና ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሓበሬታ ብዛዕባ ሓደ ኣብ ሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስን ኣብ ህጻናት ዝርከብ ነድሪ ሳምቡእን ዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ ፡ ወግዓዊ ሕቶ ድሕሪ ምቕራቡ ፡ ሰበ ስልጣን ቻይና "ዘይተለምደ ወይ ከቢድ ሕማማት ኣይተራእየን" ክብሉ መሊሶም።

ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ንዘይተነጸረ ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሃንን ብምውካስ ዓለምለኻዊ ፕሮግራም ኣገልግሎት ምክትታል ተላባዒ ሕማም (ProMED) ፡ ኣብ ሰሜናዊ ቻይና ኣብ ዝርከቡ ህጻናት ዘይሓዊ ነድሪ ሳምቡእ ከም ዘሎ ዝሕብር ጸብጻብ ፡ ኣብዚ ሰሙን "ዚ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ንኽወሃብ ብወግዒ ሓቲቱ እዩ።
ብመሰረት እቲ ኣሰራርሃ ፡ ቻይና ንውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት እያ ምላሽ ሂባትሉ ። ውድብ ጥዕና ዓለም ድማ ፡ በቲ ዓለምለኻዊ ስርዓት ጥዕና ኣቢሉ ለበዳ ሕማም ኢፒዶሞሎጂን ክልኒካውን ሓበሬታ ተጠቒሙ፡ ምክትታሉ ቀጺሉ።

ብዛዕባ'ዚ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ሕማም እንታይ ንፈልጥ?

ሓድሽ ሰዓል ዘምጽእ ባእታ ወይ ካልኦት ቫይረሳት ለበዳ ንኽኽሰት ጠንቂ ንክኸውን ካብ ዘይተለለየ ባእታ ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ ብዘጋጥም ሕማም እዩ ዝጅምር ።
ሳርስን (SARS) ኮቪድ-19ን ንመጀመርታ ግዜ ፍልይ ዝበሉ ዓይነታት ኒሞንያ ምዃኖም እዩ ተገሊጹ ነይሩ።
ብ13 ሕዳር ሰበ-ስልጣን ሃገራዊ ኮምሽን ጥዕና ቻይና ፡ ብሰንኪ ምልዓል ቀይድታት ኮቪድ-19 ፡ ሕማማት ስርዓተ-ምስትንፋስ ከም ዝወሰኸ እዮም ጸብጺቦም ።
ካልኦት ሃገራት "ውን ናይ ለበዳ እገዳታት ምስተረፈ ናይ ምስትንፋስ ሕማማት ከም ናይ ምስትንፋስ ሲናቲያል ቫይረስ ወይድማ RSV ዝኣመሰሉ ሕማማት ተኸሲቶመን እዮም ።

ዉድብ ጥዕና ዓለም፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ሰሜናዊ ቻይና ኣብ ዝርከቡ ህጻናት ፡ ዘይተጻረየ ነድሪ ሳምቡእ ከም እተራእየ ማዕከናት ዜና ከም ዝጸብጸባ ገሊጹ ።
ትካል ው.ሕ.ሃ. ፡ ብሓሙስ ምስ ሰብ-መዚ ጥዕና ቻይና ፡ ናይ ተለኮንፈረንስ ርክብ ከም ዝገበረን እቲ ዝሓተቶ ሓበሬታ ከም ዝተዋሃቦን ገሊጹ ኣሎ ።
ብሰንኪ ባክተርያዊ ረኽሲ ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ናይ ምስትንፋስ ሲናቲካዊ ቫይረስ (RSV) ፡ ኢንፍሉዌንዛ ከምኡ'ውን ልሙዳት ዝሑል ቫይረሳት ዝኣመሰሉ ሕማማት ዝሓመሙ፡ ኣብ ሆስፒታል ዝኣትዉ ህጻናት ቁጽሮም ወሲኹ ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ "ብዛዕባ እቲ ሕማም እተገብረ ለውጥታት ብሰበ ስልጣን ጥዕና ቻይና ኣይተገልጸን" በለ ።
እቲ ዓለማዊ ትካል ጥዕና፡ ብዛዕባ እዚ ሓበሬታ እዚ ካብ መራኸቢ ብዙሃን ሓያሎ ሕቶታት ስለ ዝቐረበሉ ፡ ንቻይና ዝምልከት መግለጺ ከውጽእ ከም ዝወሰነ ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ቻይና ኣብ ኢመይል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ ።

ክኢላታትከ ብዛዕባ'ዚ እንታይ ይብሉ?

ነዚ ጉዳይ ብወጻኢ ዝከታተሉ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ፡ እቲ ኵነታት ጥቡቕ ምክትታል ዘድልዮ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጹ ፡ እቲ ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ ተራእዩ ዘሎ ሕማም ፡ ሓድሽ ዓለምለኻዊ ምልባዕ ወይ ለበዳ ከም ዝጀመረ ዝሕብር ምዃኑ ግና ኣይኣመኑን ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ክኢላ ክታበትን ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣፍረይቲ ክታበት ኣማኻሪ ኰይኑ ዘገልግል ፕሮፌሰር ሮበርት ቦይ ፡ እቲ ጸብጻብ ንህጻናት ዘመልክት ጥራይ ምዃኑ ፡ እቲ ሕማም ሓድሽ ነገር ዘመልክት ኣይኰነን ኢሉ።
"እዚ ኣብ ዓበይቲ ሰባት ዝርአ ነገር ኣይኰነን ፣ እዚ ከኣ ዓበይቲ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ኣብዝተራእዩ ተመሳሳሊ ሕማማት ብዘለዎም ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ዝሕብር እዩ ፣ በዚ ከኣ ዝዀነ ይኹን ሓድሽ ጠንቂ ሕማም ክኸውን ከም ዘይኽእል ዝሕብር እዩ" በለ ።
"ከም ኢንፍሉዌንዛ ፣ RSV ከምኡ" ውን ማይኮፕላስማ ኒሞንያ ዝኣመሰሉ ዝፍለጡ ረኽስታት እውን ኣለዉ ።

ኣብ ሞናሽ ዩኒቨርሲቲ ማሌዥያ ናይ ሞናሽ ዩኒቨርሲቲ ጀፍሪ ቸሃ ቤት ትምህርቲ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ተመራማሪ ሞለክዩላዊ ቫይረስን መራሒ ረኽስን ምክልኻል ሕማማትን ዝኾነ ቪኖድ ባላሱብራማሪያም ነዚ ትዕዝብቲ እዚ ደጊፉ ። ይኹን እምበር ፡ ገና ተወሳኺ ዝርዝር ነገራት ከም ዘድሊ እውን ኣስሚርሉ ።
ባላሱብራማን "እዚ ኣብ ቻይና ዝርአ ዘሎ ኵነታት ሓድሽ ጠንቂ ሕማም እንተድኣ ኰይኑ: ዓበይቲ ሰባት እውን ክሓምሙ ነይርዎም: ኸመይሲ ንሳቶም'ውን ኣቐዲሞም ነዚ ሕማም እዚ ኣይተቓልዑን ነይሮም።" በለ ። "እዚ ድሕሪ ምባል ፡ ብዛዕባ ወሰኽ ሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ምስ ተዋህበ ጥራይ እዩ ተወሳኺ መርመራ ክግበር ዝከኣል ፡ ኣብ ህጻናት ብዛዕባ ዝርአ ሕማም ኒሞንያ ድማ ብሰበ-ስልጣን ቻይና እዩ ክቐርብ ዘለዎ።"
ፍራንኮ ባሉክስ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን፡ ቻይና ዓቢ ማዕበል መልከፍቲ ኣብ ቁልዕነት ኣጋጢሙዋ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ እዚ እገዳ ካብ ዝለዓል ናይ መጀመርታ ክረምቲ እዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ናይ ህጻናት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣንጻር ልሙዳት ቫይረሳት ነክዩ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሉ ።

ግብረ መልሲ ቻይና ነዚ ሕማም እንታይ ይመስል?

ሃገራዊ ኮምሽን ጥዕና ቻይና ፡ ብዛዕባ'ዚ ሓሳብ ንኺህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ ብኡብኡ ምላሽ ኣይሃበን ።
ብሓሙስ ፡ ኣብ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሺንሁዋ ዝቐረበ ቃለ መጠይቕ ፣ ንወለዲ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ምኽሪ ዝቐረበ ኮይኑ ፡ ዓበይቲ ሆስፒታላት ብዙሓት ሕሙማት ይቕበላ ከም ዘለዋን ነዊሕ ናይ ምጽባይ ግዜን ይረአ ከም ዘሎን ተጠቒሱ ኣሎ ። ብዛዕባ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቕረቦ ሓሳብ ግና ርእይቶ ኣይተዋህበን ።
ካብ መፋርቕ ጥቅምቲ ጀሚሩ ፡ ሰሜናዊ ቻይና ምስ ናይ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ፡ ከም ኢንፍሉዌንዛ ዝኣመሰለ ሕማም ምውሳኹ ዉድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ ነይሩ ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ፡ ኣብ ከም በዓል ዢያን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣብ ዝኣመሰላ ከተማታት ዝርከባ ማዕከናት ዜና ፡ ወለድን ውሉዳትን መርመራታት ዝጽበዩ ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ቪድዮታት ዘርጊሐን እየን ።
ገለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፡ ህጻናት ኣብ ሆስፒታል ኢንፊዩዥን እናተቐበሉ ዕዮ ገዛ ትምህርቶም እናሰርሑ ስእሊ ዘርጊሖም ኣለዉ ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ይደሊ እኳ እንተ'ሎ ፡ ኣብ ቻይና ዝነብሩ ሰባት ነቲ ሕማም ምስትንፋስ ንምንካይ ዝውሰድ ስጕምቲ ክስዕቡ ከም ዘለዎም ገለጸ ።
ክውሰዱ ዝግብኦም ስጉምትታት ፡ ክታበት ምውሳድ ፡ ካብ ዝሓመሙ ሰባት ርሕቐት ምሕላው ፡ ምስ ሓመሙ ኣብ ገዛ ምጽናሕ ፡ ኣድላዪ መርመራ ምግባርን ሕክምናዊ ክንክን ምግባርን ፡ ማስኬራ ከከም ኣድላይነቱ ምኽዳን ፡ ጽቡቕ መተንፈሲ ኣካላት ምርግጋጽ ፡ ከምኡ "ውን ኣዘውቲርካ ብኢድ ምሕጻብ የጠቓልል ።

Share
Published 26 November 2023 2:12pm
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: AAP, Reuters, SBS


Share this with family and friends