'ክመውት ኣይደልን'ዩ ነይሩ': ወዲ ፓም ከይፈለጠ ዝወሰዶ መዛነዪ ከኒና ቀቲልዎ ተረኺቡ።

ኣብ ካናዳን ኣመሪካን ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንእሰያት ብልዕሊ ዓቐን ናይ ፈንታንይል ሓሽሽ ወሲዶም ዝሞቱ ብብዝሒ ክረአ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ቫንኮቨር ነዚ ንምክልኻል ከቢድ ፈተነ ይካየድ ኣሎ ።

A collage of two images of a woman and her teenage son

ፓም ዳውንየ ዝስማ ካናዳዊት ኣደን ልዕሊ ዓቐን ከኒና ፈንታንይል ወሲዱ ዝሞተ ወዲ 16 ዓመት ሮና ። Credit: SBS Dateline

ኣብቲ እዋን ነዊሕ በዓላት ትንሳኤ እዩ ነይሩ ። ፓም ዳወይ ኣብ ቫንኮቨር: ካናዳ ኣብ ዝርከብ ገዛ ምግቢ ትኽሽን ነበረት ፡ ሮናን ወዳ ድማ ኣብ ክፍሉ ኮይኑ ኣብ ዩትዩብ ቪድዮታት ይርኢ ነይሩ ።
ግዜ ድራር ምስ ኣኸለ ፡ ሚስ ዳወይ ወዳ ኣብ መንበሩ ሸተት ኢሉ ወዲቑ ጸንሓ ።
ሮናን ገና ወዲ 16 ዓመት ከሎ እዩ ሞይቱ ።
ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ፡ ሓደ ኮሮነር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ፡ ኣብ ሰብነቱ ፡ ኣዝዩ ብርቱዕን ወልፊ ዘትሕዝ ንፈውሲ ቃንዛ ዝውሰድ መድሃኒት ንእሽቶ መጠን ፈንታንይል ከም ዝጸንሖ ገሊጹ ።
ሮናን ነቲ መድሓኒት ክወስዶ ከሎ Xanax ዝበሃል ከኒና ኢሉ'ዩ። እዚ ዓይነት መድሓኒት ናይ ምዝናይ ስምዒት ዝፈጥር ካብ ጭንቀት ዝገላግል ተባሂሉ ዝውሰድ እዩ ። እቲ መድሃኒት ግና fentanyl ሒዙ እዩ ተረኺቡ ።
ካብ ሽዑ ንነጀው ኣብ ቫንኮቨር ምስ ካልኦት ብተመሳሳሊ መገዲ ደቀን ዝሰኣና ኣደታት እተራኸበት ሚስ ዳውንየ "እቲ ኮሮነር ከምዝገለጾ እቲ ዝወሰዶ ኣዚዩ ውሑድ ዓቐን ፈንታንይል እኳ እንተነበረ ነቲ መድሃኒት ክጻወሮ ዘይክእል ሰብ ስለ ዝኾነ'ዩ ብዉሑድ ዓቐን ክመውት ክኢሉ" በለት ።

"ወደይ ፋንታኒል ክወስድ ኣይደለየን'ዩ ፡ ክመውት እውን ኣይደለየን ።"
A woman with blonde hair and glasses stands next to a teenage boy
Pam Downey with her son Ronan. Source: Supplied
"ሮናን ኣብ ግዜ ቝልዕነት ሕማቕ ተመክሮ ኣይነበሮን ። ኣብ ድኽነት ኣይዓበየን ። ብሕስያ ወይ ብዓመጽ ኣይዓበየን ። ጽቡቕ ህይወት እዩ ነይርዎ: ኣዝዩ ሕጉስ ቆልዓ ድማ እዩ ነይሩ "ትብል ሚስ ዳደይ ።
"ብዛዕባ እዚ ናይ ሓሶት ኸኒናታት እዚ እንተ ዝፈልጥ ነይረ ፡ ምስኡን ምስ ዝዀነ ይኹን ዝፈልጦም መንእሰያትን ምዝርራብ ባህ ምበለኒ ነይሩ" በለት ።

ኣብ ካናዳ ፡ ካብ 15 ኽሳዕ 24 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ፡ ብዝወስድዎ ልዕሊ ዓቕሚ ኦፊዮኢድ ልዕሊ ዓቐን ሓሽሽ ወሲዶም ኣብ ሆስፒታል ብብዝሒ ተዓቚቦም ኣለዉ ። ኣብ ጎረቤት ሃገር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ 2019 ክሳብ 2021 ኣብ ዘሎ ሰለስተ ዓመታት ልዕሊ ዕጽፊ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዘጋጥም ሞት ቀንዲ ጠንቂ ምውሳድ ከም ፈንታንይል ዝበለ ሓሽሽ እዩ ።

ፈንታኒል ከም ፈውሲ ቃንዛ መድሃኒት ኮይኑ የገልግል ፡ ብገምጋም 100 ዕጽፊ ካብ ሞርፊን ፡ ብ50 ዕጽፊ ድማ ካብ ሀሮይን ንላዕሊ ሓይሊ ስምዒት ዝፈጥር እዩ ። ልክዕ ከም ካልኦት ኦፐዮድስ/ሓሽሽ ፡ ሰባት ኣብኡ ኽውከሉ ይኽእሉ እዮም ። እንተኾነ ግን ኣብ ኩሉ ነገራት ካብ ሆሮይን ክሳብ ብሓኪም ዝእዘዝ መድሃኒት ይርከብ ። ስለዚ ሰባት ብድንገት እቲ ምስ ካልእ መድሃኒት ዘሎ ፡ ልዕሊ ዓቐን ኽወስድዎ ይኽእሉ እዮም ።

ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ፈላጣትን ፖለቲከኛታትን ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ብኸመይ ኽዋጽእሉ ከም ዘለዎም ይሓስቡ ኣለዉ ።
ሚስ ዳውንየ ፡ "እዚ መድሃኒት እዚ ፡ ኣፋላላይ የብሉን ፣ ንምዝናይ ኢሎም ከም ፈተነ ንዚወስዱዎ ሰባት ይቐትል ፣ ወልፊ ንዘለዎም ሰባት እውን ይቐትል እዩ" በለት ።
Rally attendees stand holding placards
Amid Canada's ongoing opioid crisis, advocates and supporters have been calling for a safe supply of drugs as an alternative to toxic street drugs as a way to reduce overdoses. Credit: SBS Dateline

ህዝቢ ድሕነቱ ዝተሓለወ መድሃኒት ክቐርብ ይጽውዕ

ካብ 2019 ኣትሒዛ ፡ ካናዳ ነቲ ወልፊ ንምምካት ዘገልግል ከም ማታዶን ዝብሃል ሰብ ዝሰርሖ ኦፒያት ዝኣመሰለ ኣማራጺታት ብምቕራብ ፡ ንወልፊ ንምዕጋስ የገልግል ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ፡ እተፈላለያ ጕጅለታት ማሕበረሰብ - ካብ ሓዘን ዝርከባ ኣዴታት ጀሚርካ ክሳብ ተጠቀምቲ ሓሽሽን ንሰራሕተኛታት ህዝባዊ ጥዕናን ፡ ብዛዕባ ውሑስ ቀረብ መድሃኒት ይጣበቓ ኣለዋ ።
ኣብ ካናዳ ብ ሰንኪ ምጥቃም ፈንታንይል መድሃኒት ካብ ዘጋጠመ ሞት ኣብ ብሪትሽ ኮሎምብያ እቲ ዝለዓለ ጠንቂ ሞት እዩ - ብገምጋም ሽዱሽተ ሰባት ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ዓቐን ብምውሳድ ይሞቱ ። እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ቫንኮቨር ፡ ኦፊዮዲድ ዘምጽኦ ቅልውላው ዝለዓለት ከም ዝዀነት እዩ ዝእመን ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ፡ ብሪትሽ ኮሎምብያ ኣብ ቀዳምነት ትስራዕ ኣውራጃ ኰይና ፡ ዕድሚኦም 18 ዓመት ንዝመልኦም ሰባት ፡ ሒደት ሓሽሽ ንውልቃዊ ጥቕሞም ኸውዕልዎ ፈቒዳ እያ ።
ኣብታ ኣብ ማእከል ከተማ ቫንኮቨር እትርከብ ኢስትሳይድ እትበሃል ወረዳ: ክኢላ ሕክምና ወልፊ ዶክተር ክሪስቲ ሳዘርላንድ ኣብ ዓለም-ለኸ ናይ ፈተና ፕሮግራም ትሰርሕ: "ነቶም ሓሽሽ ዝጥቀሙ ሰባት ካብቶም ኣቕረብቲ ምብታኽ" ዝብል ዕላማ ዘለዎ: ጎስጓስ እያ ተካይድ ።
A bespectacled woman talking
Canadian addiction medicine specialist, Dr Christy Sutherland, runs a world-first trial program in Vancouver’s Downtown Eastside, where she supplies drug users with safe amounts of fentanyl in a supervised setting. Credit: SBS Dateline

ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ብዛዕባ ውሑስ ቀረብ ሓሽሽ ዝድግፍ ።

ናይ ካናዳ መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ፒየር ፖይሊቭረ ፡ ብዛዕባ ቀረብ ፋንታኒል ኰነ ብዛዕባ እቶም ንተቐየድቲ ሕጊ ዘውጽእ ተሪር ሕጊክህሉ እዩ ዝደሊ ።

"እዚ ሓሽሽ እዚ ዘተኣማምን ኣይኰነን: ቀታሊ እዩ: ሓደገኛ እዩ: ዘይብተኽ ወልፊ እዩ" በለ ።

ዶ/ር ሳዘርላንድ ሓሽሽ ንዝወስዱ ሰባት ምኽልካልን ምቕጻዕን ኣይሰርሑን እዮም ይብል ።

"ኵሉ ነገር ሓሽሽ ምውሳድ ከቋርጽ ኣለዎ ዝበሃል ንጹርን ቀሊልን ምግባር ጌጋ እዩ ። ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን እዩ ። "ብዛዕባ ካልእ ዓለም ምሕሳብ ብዙሕ ክሳራ ኣየስዕብን እዩ ፡ ብዙሕ ሞትን መከራን ኣየጋጥምን እዩ ፡ ንዓይ ከኣ ናይ ፖሊሲ ለውጢ የድሊዩ በሃላይ እየ ።"
A banner for a campaign for more awareness about drug overdose shows photos of the deceased young people
Vancouver group 'Mums Stop the Harm' united parents who have lost their children to fentanyl overdose. It campaigns for more awareness about the lethal opioid. Credit: SBS Dateline

ተመኩሮ ን ኣውስትራሊያ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፈደራል ፖሊስ ኣውስትራሊያ ካብ ካናዳ ንዝመጽአ 11kg ናይ ፋንታኒል ሓሽሽ ሒዙ ።
ስለዚ ኣውስትራሊያዊያን ኽሻቐሉ ይግባእዶ፧

ጆን ራያን ናይ ፐኒንግተን ኢንስቲትዩት ኣካያዲ እዩ ፣ እዚ ትካል እዚ ፡ ዘይመንግስታዊን ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ኰይኑ ፡ ምርምር ንምግባርን ኣብ ከባቢ ሓሽሽ ዝግበር ክንክን ማሕበረሰብ ንምምሕያሽን ዝዓለመ እዩ ።
ንሱ ኣውስትራሊያ ክሳብ ሕጂ ርኡይ ዝኾነ ናይ ፈንታንይል ጸገም የብላን ይብል ። ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ቅልውላው ከጋጥም ከሎ ምርኣይ ግን ነቲ ሓደጋ ምምጽኡ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣገዳሲ ጉዳይ ክኸውን ኣለዎ ።
"ኣውስትራልያ ከም MDMA ፡ ኮከይንን ሄሮይንን ዝኣመሰለ ሓያሎ ሓሽሽ ንኣመሪካ ክትስዕብ ርኢና ኢና ። ስለዚ ፡ ደድሕሪ እቲ ናይ ኣመሪካ ትርጕማት ፡ ብዙሕ ሓደጋ ከም ዘሎ ጌርና ክንሓስብ ርትዓዊ እዩ "በለ ።
ሚስተር ራያን ፋንታኒል ኣብ ሕክምና ከም ሓያል ናይ ቃንዛ እፎይታ ዝህብ ኣገዳሲ ፋርማሲዩቲካል ኦፕዮዲ እዩ ፡ ስለዚ ኣብ ልዕሊ እቲ መድሃኒት ምሉእ እገዳ ክግበር እዩ ዝብል እምነት የብሉን ።
ኣብ ክንድኡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ በዝሒ ንምንካይ ጠመተ ክግበር ኣለዎ ፤ እዚ "ውን ብናይ ጥዕና ሓልየት ሕክምናን ናይ ጥዕና ክንክን ጥዕና ምርካብ ብምምሕያሽ ፤ ከምኡ" ውን ብዛዕባ እቲ ሓደገኛ ዝኾነ ነገር ናይ ማሕበረሰብ ርድኢት ምምሕያሽ እዩ ።

ኣብዚ እዋን "ዚ ፡ ናሎክሶን ካብ ፋርማሲታት ዝግዛእ መድሃኒት ይርከብ ። ከምኡ 'ውን ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ሃገራዊ ፕሮግራም ናሎክሶን ኣብ ገለ ቦታታት ብናጻ ክፍሊት ክውሰዱ ይኽእሉ ።

"[ኣመሪካ] ንቤተ-መጻሕፍትን ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርትን ሓዊስካ ፡ ፡ ንናኦክሲን ብቐሊሉ ን ምርካብ ኣዝዩ ወሲኹ እዩ" ድማ በለ ።




If you or someone you know needs help with drug or alcohol addition, call the National Alcohol and Other Drug Hotline 24 hours a day, 7 days a week on 1800 250 015 or visit  

Share
Published 28 May 2023 12:31pm
By Sophie Bennett
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS


Share this with family and friends