SBS ንዋንጫ ዓለም 2026 ብቐጥታ ከም ዘመሓላልፎ ዋንጫ ዓለም ፊፋ (FIFA) 2026™ ኣረጋጊጹ።

SBS ነቲ ናይ ዓለም ጸወታ ቀንዲ መመሓላለፊ ኮይኑ ክቕጽል እዩ ፡ እዚ ሃገራዊ ማዕከን ዜና ን ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 TM ናይ በይናዊ መሰሉ ኣረጋጊጽዎ ኣሎ ።

FIFA World Cup 2026 on SBS.png

እቲ ዝዓበየ ናይ መሰላት ዉዕል ፡ ሰማዕቲ ንኹሉ 104 ግጥማት ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ዝከታተልዎ ኮይኑ (ኣብ ስግር ካናዳ ፡ ሜክሲኮን ኣብ ኣመሪካን ፡ ብናጻን በይኑን) ክርእዩዎ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ን40 ዓመት ኣብ መንጎ ፊፋን SBSን ዝነበረ ሽርክነት (1986-2026) ዘራጒድ ኮይኑ ኣሎ።

Deal secures 40 years of partnership between FIFA and SBS (1986-2026)

እቲ ዉዕል SBS: SBS VICELAND ከምኡውን SBS On Demand ነቲ ኣብ ሰነን ሓምለን ናይ 2026 ዝካየድ 104 ግጥማት ዝእንገድ ዝዓበየ ናይ ዓለም ስፖርት መድያ ክኸውን እዩ ። ፊፋ ነዚ ውድድር እዚ ከም ዘስፍሖ ድሕሪ ምርግጋጹ 48 ዝተፈላለያ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2026 ጋንታታት ክወዳደራ እየን ።
ማኒንግ ዳይረክተር SBS ጀምስ ተይለር ፡ "ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዲ.ኤን.ኤ. SBS እዩ ዝርከብ" ክብል ገሊጹ ኣሎ ።

"SBS ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ተለቪዥን ኣውስትራልያ ናይ ኩዕሶ እግሪ ኣመሓለፍቲ መድያ ኮይና ኢና ጸኒሕና: ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝግበር ናይ 2026 ውድድር ኲዕሶ እግሪ ንሕና ከም እንፍንዎ ምንጋርና ድማ ዝያዳ ጋንታታት: ዝያዳ ግጥማት: ከምኡውን ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብዙሕ ተዓዛቢ ክንስሕብ ምዃና ካብ ምስማዕ ዘሕጉስ ነገር የለን ።"
እዚ ምልክታ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ድሕሪ እቲ ኤስ.ቢ.ኤስ. ኣብ ዋንጫ ዓለም 2022 TM ካብ ቀጠር ዝገበሮ ኣዝዩ ዕዉት ፈነወ ዝመጸ ኰይኑ ፡ እቲ ናይ ቀጠር ግጥማት ኣውስትራሊያዊያን ብዛዕባ ስፖርት ዘለዎም ኣረኣእያ ዝቐየረ እዩ ነይሩ።

ዳይረክተር ስፖርት SBS ዝዀነ ኬን ሺፕ ፡ "መንፈሳዊ መንበሪ ኩዕሶ እግሪ ብምዃንና ኣዚና ኢና እንሕበን ፣ እዚ መቐጸልታ ናይቲ ን40 ዓመት ኣብ መንጎ ፊፋን SBSን ዝጸንሐ ምሕዝነት እዩ" በለ ።

"ኣብ 2026 ዝግበር ዝበለጸ ናይ ዓለም ጸወታ በይንና እንገብሮ ሸፈነ እንደገና ህያው ክንገብሮ ኢና ። እዚ ውድድር ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ እቲ ዝዓበየ ውድድር ዋንጫ ዓለም ፊፋ እዩ ። SBS ንኹሉ 104 ግጥማት ኣውስትራሊያዊያን ምእንቲ ክርእይዎ ብዘይኽፍሊት ብናጻ ክፍኖ እዩ ። "

Share
Published 31 October 2023 5:16pm
Source: SBS


Share this with family and friends