ንፈለማ እዋን ሕማም ማንኪፖክስ ካብ ሰብ ናብ ከልቢ ተመሓላሊፉ፡ ብዛዕባዚ ክንጭነቕ ኣለናዶ?

ካብ ዋናታቱ ናብ ሓደ ግረይሃዩንዳ ዝዓሌቱ ከልቢ እቲ ሕማም ምስተመሓላለፈ ሰባት ካብ እንስሳኦ ክርሕቁ ምኽሪ ተዋሂቡ።

Midsection Of Woman With Dog On Field

Infected people are being advised to stay away from animals for fear of the virus mutating. Source: Getty / Dienes Vivien

ቀንዲ ነጥቢታት
  • ንፈለማ ፡ ካብ ሰብ ናብ ከልቢ ምምሕልላፍ ማንኪፖክስ ከም እተራእየ ተሓቢሩ ኣሎ
  • እቲ ቫይረስ መልክዑ ከይቅይር ብምስጋእ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ እንስሳት ክርሕቁ ምኽሪ ይወሃቦም ኣሎ
ኣብ ፈረንሳ ካብ ሰብ ናብ ከልቢ ዝመሓላለፈሉ ኩነታት ምስ ኣጋጠመ ብሞኒኪፕሮክስ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ ዝውንንዎም እንስሳታት ክፍለዩ ዉዱብ ጥዕና ዓለም ጸዊዑ ።
ኣብ ፓሪስ ዝነብሩ ክልተ ሰብኡት ናብ ግረይሃዩንዳይ ከልቦም ሕማም ሞኒኪፖክስ ምስ ኣመሓላለፉ ንፈለማ ግዜ ካብ ሰብ ናብ እንስሳ ከምዝተመሓላለፈ ኣብታ ዘ ላንሰት እትበሃል ሕክምናዊ መጽሔት ዝወጸ ጸብጻብ ዝሓለፈ ሰሙን ተሓቢሩ ነይሩ ።

ሮዛሙንድ ልዊስ ፡ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ንሞንኪፖክስ ዝምልከት ሓላፊት ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ፡ "እዚ ጸብጻብ እዚ ፡ ካብ ሰብ ናብ እንስሳ ዝመሓላለፈሉ ናይ መጀመርታ ተርእዮ እዩ ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ፡ ፈለማ ብቫይረስ እንስሳ በዚ ዚልከፍ ከም ዘሎ ኢና እንኣምን" በለት ።
ክኢላታት እቲ ክልሰ-ሓሳባዊ ሓደጋ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስግጋር ከስዕብ ከም ዝኽእል ይፈልጡ ነይሮም እዮም ፣ ድሕሪ ምባል ፡ ትካላት ጥዕና ነቶም በቲ ሕማም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ፡ "ካብ ዝውንንዎም እንስሳ ክፍለዩ" ምኽሪ ይወሃቦም ከምዘሎ ገሊጻ ።

ብዛዕባዚ ክንጭነቕ ኣለናዶ?

ቫይረሳት ነቲ ናይ ዘርኢ ዕግታ ምስዝዘሉ ፡ ሓደገኛ ሳዕቤን ከየምጽኡ የሻቐሉ'ዮም ።
ክሳዕ ሕጂ ብዛዕባ ሞኒኮክስ ዝዀነ ይኹን ጸብጻብ ከም ዘየለ ፡ ዶክተር ልዊስ ትገልጽ።
ይኹን እምበር ፡ "እቲ ቫይረስ ኣብ እተፈላለየ ህዝቢ ዓለም ምስ ተቐልቀለ ፡ ብእተፈላለየ መገዲ ኺምዕብል ተኽእሎ ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ" በለት ።
እቲ ቀንዲ ዘተሓሳስቦም ነገር ፡ ኣብ ከባቢ ስድራ ዝርከቡ እንስሳታት እዩ ።

ዳይረክተር ህጹጽ ኵነታት ጥዕና ዓለም ሚካኤል ራያን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "እቲ ዝያዳ ሓደገኛ ዝዀነ ኵነታት ፡ ሓደ ቫይረስ ልዑል ጻዕቂ መጥበዊቲ እንስሳታት ናብ ዘለዎ ኺግዕዝ ይኽእል እዩ ።
"ሓደ እንስሳ ናብ ዝቕጽል እንስሳ እናተመሓላለፈ ክኸይድ ከሎ: እቲ ዝቕጽል ከኣ ቅልጡፍ ፍልቀት እቲ ቫይረስ ክህሉ ይረኣየካ ።"
ዶ/ር ርያን ኣብ ከባቢ ገዛ እንስሳ ብዙሕ ዘሻቕል ነገር ከም ዘየለ ኣጕሊሑ እዩ ።
"እቲ ቫይረስ ኣብ ሓደ ከልቢ ካብ ኣብ ሓደ ሰብ ንላዕሊ ቀልጢፉ ክቕየር ኣይጽበን እየ" ድሕሪ ምባል "ንቑሓት ክንከውን ዘድልየና እኳ እንተዀነ: እንስሳታት ግን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ኣይኰኑን" ኢሉ ።

ኣብ መላእ ዓለም ካብ መጀመርታ እዛ ዓመት እዚኣ ኣትሒዙ ኣብ 92 ሃገራት ልዕሊ 35,000 ሰባት ብሞኒፖክስ ከም ዝተለኽፉ ክረጋገጽ ከሎ: 12 ሰባት ሞይቶም እዮም። ዉድብ ዕና ዓለም ነዚ ለበዳ እዚ ዓለምለኻዊ ህጹጽ ኵነታት ጥዕና ክኸውን ኣሚሙ ኣሎ ።

ክታበት 'ተኣምራታዊ ፍታሕ ኣይኮነን'

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ብዓለምለኸ ደረጃ እቲ ቁጽሪ መልከፍቲ ብ 20 ሚኢታዊት ዝዛየደ ክኸውንከሎ ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል ጥዕና ፡ ኩለን ሃገራት ኣብ 'ቲ ዝርጋሐ ንምዕጋት ዝያዳ ክገብራ ይምሕጸን ኣሎ ፡ እዚ' ውን ነቶም ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ሰባት ፡ ብዛዕባ 'ቲ ሓደጋን ብኸመይ ነብሶም ክከላኸሉ ከምዝኽእሉን ሓበሬታ ክረኽቡ ንምርግጋጽ እዩ ።
ክታበት"ውን ኣሎ ፡ እቲ ክታበት ኣብ ፈለማ ንስሞልፖክስ ዝማዕበለ እዩ ፡ እንተኾነ ግን ሕጽረት ቀረብ ኣሎ።
ዶ/ር ልዊስ ፡ እቲ ክታበት ኣብ ምክልኻል ሞንኪፖክስ ዘለዎ ውጽኢታውነት ገና ብዙሕ ሓበሬታ ከም ዘይብሉ ኣጕልሓ ።

ክሳብ ሕጂ ብሃውሪ ዝተረጋገጸ ናይ ምቁጽጻር ፈተናታት እኳ እንተ ዘይተኻየደ ፡ ክታበት ድሕሪ ምውሳዶም ገለ ለውጢታት ከምዘሎኳ እተነግረ ፡ "እቲ ክታበት 100 ካብ ሚእቲ ዉጽኢታዊ ኣይኰነን" ከም እተባህለት ገሊጻ ።
ንሳ ፡ ብ1980 ኣብ እተገብረ ውሱን መጽናዕትታት ከም እተራእየ ፡ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝወሃብ ዝነበረ ክታበት ስሞልፖክስ ፡ ንሞንኪፖክስ ንምክልኻል 85 ሚእታዊት ውሕስነት ክህብ ከም ዝኽእል እያ እትሕብር ፣ እዚ ከኣ ፡ "ብሓቂ ዘገርመና ኣይኰነን" በለት።
"እንተዀነ ግን: እዚ ክታበት እዚ ትኣምር ዝፈጥር ዘይምዃኑ እዩ ዘዘኻኽረና" በለት ።

Share
Published 18 August 2022 2:45pm
Source: AFP


Share this with family and friends