መዓልቲ ኣንዛክ (Anzac Day) ንመጽእቲ (ስደተኛታት) እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

ብዙሓት ስደተኛታት ፡ መዓልቲ ኣንዛክ ኣብ ግምባር ጋሊፖሊ ንዚዋግኡ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ክዳን እተኸድኑ ጸዓዱ ወተሃደራት ክረኣዮም ይኽእል እዩ ። ይኹን እምበር: እዚ ምስሊ እዚ ኣብዘን ዝሓለፋ ሚእቲ ዓመታት ቀስ ብቐስ ተቐዪሩ እዩ ።

ኣውስትራሊያዊያን ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ

ሓርበኛታት ኲናትን ኣባላት ምክልኻልን ኣብ መዓልቲ ኣንዛክ (ANZAC Day) ኣብ ሚያዝያ 25, 2023 ኣብ ሲድኒ፣ ኣውስትራሊያ. (Photo by Brendon Thorne/Getty Images) Credit: Brendon Thorne/Getty Images

ኣብ መዓልቲ ኣንዛክ ፡ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ዝነብሩ ኣውስትራሊያዊያን ፡ ነቶም ኣብ ሰራዊት ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ኮይኖም እተቓለሱን ዝተሰዉኡን ኣውስትራልያውያንን ኒው ዚላንዳውያንን ፡ ንዝኽሪ መስዋእቶምን ንጅግንነቶምን ዘጕልሕ ፍጻመ እዩ ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ናይ 25 ሚያዝያ ፡ እቲ ምረሻ ብልምዲ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ጋሊፖሊ ዝቃለሱ ዝነበሩ ሰራዊት ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን እተወፈየ መዓልቲ እዩ።

ይኹን እምበር ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ዝኽሪ ንዅሎም እቶም ኣብ ሰራዊት ኣውስትራልያ ዘገልገሉን ዝተሰዉኡንን ዘርኦምን ፡ እንተላይ ነቶም ኣብ ጋሊፖሊ እተገብረ ውግእ ብ ኣንጻር ዝነበሩ ዘጠቓልል እዩ ።

ተቐባሊ AMaGA (ማሕበር ቤተ-መዘክር ኣውስትራልያን ጋላሪታትን) ጂን ማክኣስላን ፡ናይ ቪክቶሪያ ኣብ The Shrine of Remembrance and Australian War Memorial ንዓሰርተታት ዓመታት ብዝሰርሓቶ ዕውቲ ሽልማት እያ። ንሳ ምስ SBS ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ ፡ እቲ ኣብቲ መዘክር ዝርከብ ምርኢታትን መዛግብትን ፡ ንእተፈላለዩ ኣህዛብ ኣብ ሓደ ናይ ኣውስትራልያ ባህሊ ከም ዝሓቘፉ ዘርኢ እዩ ኢላ።
ሚስ ማክኣስላን ወሲኻ ፡ ነቲ ኣብ ሕብረተ ሰብ ዝርአ ዘሎ ለውጢ ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ውግእ ዘሕድሮ ጽልዋ ዘጉልሕ ምዃኑ ገለጸት ።
ንሳ ከም ኢጣልያውያን ፡ ጀርመናውያንን ጃፓናውያንን ዝኣመሰሉ እሱራት ኣብ መወዳእታ እቲ ውግእ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እኳ እንተ ነበሮም ፡ ገሊኦም ግን ኣብ ኣውስትራልያ ናብራኦም መስሪቶም ክነብሩ ከም ዝጀመሩ ትገልጽ ።
"ብፍላይ ኢጣልያውያን ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ኣውስትራሊያ ምስ ዝርከቡ ሓረስቶት ምዕያይ ኣዝዩ ፍቱው ዝነበረ ስራሕ እዩ ነይሩ: ብድሕርዚ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝነበሩሉን እዋን ከኣ ስድራቤታት ናብ ኣውስትራልያ ንኽነብሩ ይስሕብዎም ነበሩ" ትብል ።
ሳንካር ናደሰን ኣብ ዓዲ-እንግሊዝተወልደ ህንዳዊ ትውልዲ ዘለዎን ስነ-ጥበበኛን ተመራማርን እዩ። ኣብ ናራም/መልበርን ዝነብር ዝነበረን ኣብ ለንደን ናይ ስነ-ጥበብ ስቱድዮ ዘለዎን እዩ ።
Anzac (1).jpg
Left to Right: Alex Ilyin (right) with former comrade in arms Don Frohmuller and contemporary artist and researcher Sankar Nadeson.
ምስ RSl * ቪክቶሪያ ብምዕያይ ናይ ባህላዊ ዲፕሎማስን ስትራተጂያዊ መሪሕነትን ተሓላቒ ኮይኑ ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባትን ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ገዳይም ሓርበኛታትን ስድራቤቶምን ተሓባቢሩ ።
ንሱ ኣብ ክንዲ ባዶ ፈኸራ ኣብ "ኣወንታዊ ሃገራዊ ሓበን" ዒላማ ገይሩ ከምዝሰርሕ ይገልጽ ።
ሚስተር ናደሰን ከም ዝገለጾ ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምዕባዩን ኣብ መዓልቲ ዝኽረ ሰማእታት መዘከርታ ዕምባባ ዝኽሪ ምልባሱን ካብ ግዜ ቁልዕነቱ ፡ ንታሪኽ ስድራ ቤቱ ምስ ኣንዛክ ፈጺሙ ኣተሓሒዙዎ ኣይፈልጥን ።

ደሓር ግና ምስ ሰብ ኡተን ኣብ ኲናት ዝሞትወን መበለታት ውግእ ክሰርሕምስ ጀመረ ፡ ባህላዊ ብዙሕነት ናይ ኣንዛክ ተገንዚቡ ፡ ታሪኹ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ ።

"ንሓትኖይ ሓቲተያ ፡ ንሳ ድማ ፡ እወ ፡ ኣቦሓጎኻ ኣብ ማለዥያ ምስ ሰራዊት ብሪጣንያ ኮይኑ ተዋጊኡ እዩ ፡ ኣነ እውን ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጥን እየ ነይረ ። ምስ ታሪኽ ኣንዛክ ኰነ ምስ ታሪኽ ናይቶም ኣብ ውግእ ምስ ሃጸያዊ ሓይልታት ወይ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኣውስትራልያ ዝቃለሱ ዝነበሩ ሰባት ፡ ምስ ታሪኸይን ምስ ስድራ ቤተይን ኣብ ዘሎኒ ርክብ ፡ ኣይፈልጥን እየ ነይረ "በለ ።
ዝኽሪ ኲናታት ኣውስትራልያ ከም ዝገልጾ ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም እተሰለፉ 420,000 ዝዀኑ ኣውስትራልያውያን ፡ ካብ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ እዮም ነይሮም ፣ ገለ ካብዚኣቶም ከኣ ቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራሊያ ይርከብዎም ፣ ከምኡ'ውን ናይ ብሪጣንያ ፡ እስያ ፡ ግሪኽን ሰሜን ኤውሮጳን ድሕረ ባይታ ዝነበሮም እውን ነይሮም ። ብገምጋም 200 ዝኾኑ ቻይናውያን ስደተኛታት ኣብ ቀዳማይ ዉግእ ዓለም ምስ ኣውስትራልያ ተሰሊፎም ይዋግኡ ኔሮም ። ሳንካር ናደሰን ምስ ማሕበር መንእሰያት ኣውስትራልያ ክዓዪ ከሎ ፡ ተመሃሮኡ ናይ ኣንዛክ ሕብረ ብዙሕ ባህልታት ከም ዘይፋለጡ ገለጸ ።
"ካብ ቻይናዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ተመሃሮ ፡ ብዛዕባ እቲ ቻይናውያን ኣብ ኣንዛክ ዝነበሮም ኣገዳሲ ታሪኽ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም ። ነዚ ንምጕላሕ ብናይ ጐደና ስነ-ጥበብ ተጠቒምና ኢና ከነርእዮም ፈጢርና ። ሓደ ካብዚ ናይ እስቶንሲል ቢሊ ሲንግ ዝስሙ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ሓይልታት ኢምፐርያል ዘገልገለ ውሩይ ተኳሳይ ከምዝሰኣል ገይርና "በለ ።
Australians Commemorate Anzac Day
ሓደ ተዋጋኢ ማውሪ ብባህላዊ ኣከዳድና ተኸዲኑ ፡ ብ25 ሚያዝያ 2021 ፡ ኣብ ሲድኒ ፡ ኣውስትራልያ ፡ ኣብ መዓልቲ ኣንዛክ ፡. (Photo by Ruth Goodwin/Getty Images) Credit: Ruth Goodwin/Getty Images
እዚ ምግላጽ እዚ ፍልጠት ጥራይ ኣይኰነን ኣምጺኡ ።
"ንሓደ ቻይናዊ ወተሃደራዊ ባርኔጣ ገይሩ ምስ ረኣይዎ ፡ ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ኣገዳሲ ግደ ከም ዘለዎም ተቐቢሎም እዮም ፣ ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ከም ኣብ ወሰን ኮይኖም ዝዕዘቡ ዘይኮኑስ ፡ ኣብ ታሪኽ ኣውስትራልያ ዓቢ ግደ ከም ዝነበሮም ክግንዘቡ ክኢሎም እዮም" በለ ።
ኣሌክስ ኢሊን ኣብ ቻይና ዝተወልደ ዘርኢ ሩስያ ዘለዎ እዩ ፣ ቅድሚ 50 ዓመት ድማ ኣብ ኣውስትራልያ ክነብር ጀሚሩ ። ኣብ ሰራዊት ምግልጋሉ ብዛዕባ ባህሊ ኣውስትራልያ ሰፊሕ ምርዳእ ክህልዎ ከምዝሓገዞ ይገልጽ ።

"ብ59 ናብ ኣውስትራልያ መጻእኩ ፣ ኣብ '67 ድማ ኣብ ሰራዊት ከገልግል ተጸዋዕኩ ። ቋንቋ እንግሊዘኛይ ብዙህ ኣይነበረን ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ህይወት ከመይ ይመስል ዝብል ርድኢተይ ድማ ብዓይኒ ሓደ ሓድሽ ዝመጸ ስደተኛ ጥራይ እዩ ኔሩ "ይብል ።

ንገለ ወተሃደራትን ዘርኢ ሓረጎምን ግን ፡ ካብቲ ወፊሮሙሉ ዝነበረ ዉግ ኣት ናብ ገዛኦም ምስ ተመልሱ ከቢድን ጽንኩርን ኩነታትዩ ጸኒሕዎም። ኣሌክስ ኢሊን ካብ ውግእ ቬትናም ምስ ተመልሰ ፡ ህዝባዊ ርእይቶ ኣንጻር እቲ ዝተገብረ ዉግእ እዩ ነይሩ ።

"ካብ ቬትናም ምስ መጻእና ፡ ብዙሓት ካባና ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ኣንጻር ኣብ ቬትናም ዝተገብረ ስምዒት ስለ ዝነበረ ፡ ' ኣብ ዝዀነ ቦታ ኣይትርአ" ተባሂልና ። ስለዚ ፡ ንሕና መንግስትና ንኣውስትራልያ ኽንዋጋእ ዝለኣኸና ሰባት ፡ ተመሊስና ተሓቢእና ፡ ሓፊርና ኢና ፡ "ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ ።
እንተኾነ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦብ ሃውክ ኣውስትራሊያ ከም ኣሌክስ ኢሊን ዝኣመሰሉ ሃርበኛታት ብዓቢ ምረሻ ናይ እንቋዕ ደሃን መጻእኩም ኣቀባብላ ክግበረሎም ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ።
"ካብ መላእ ኣውስትራልያ ፡ ሰባት ብናይ መንግስቲ ወጻኢ ናብ ሲድኒ ብነፋሪት ወሓዙ ፣ ኣብ ጐደናታት ሲድኒ ድማ መረሽና ። ካብኡ ንደሓር ፡ ርእስና ከነልዕል ጀመርና ፣ ኣዚና ድማ ንሕበን ነበርና ። ካብ ሃገርና ዝድለ ዘበለ ኢና ጌርና ።
ካብ 1987 ኣትሒዙ ፡ ኣሌክስ ኢሊን ኣብ መዓልቲ ኣንዛክ ዝግበር ምረሻ በብዓመቱ ኣይተፈለየን ።
ብመሰረት እቲ ምስ ማሕበረሰብ ሲክ ዝሰርሕ ሳንከር ናደሰን: ህዝቢ ነቲ ናይ ምጽንናዕ መስርሕ ኣፍልጦ ምሃቡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ምሕዋይ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ ።
ሚስተር ናደሰን ፡ "ሰባት ንዓና ምስ ዝርእዩና ወይ በቲ ዝገበርካዮ ኣበርክቶ ምስ ዚርእዩና ፡ ብዙሕ ሕውየትዩ ዝህበና ፣ በዚ ድማ ኣብቲ ሕብረተሰብ ተኣማሚንካ ንቕድሚት ክትከይድ ትኽእል ኢኻ" በለ ።
ምረሻ  መዓልቲ ኣንዛክ (ANZAC Day) ኣብ ሲድኒ
ኣብ ሲድኒ ፡ ኣውስትራልያ ፡ መጋቢት መዓልቲ ANZ ፡ ሰሉስ 25 ሚያዝያ 2023 ዝተገብረ ምረሻ ። (Photo by Steven Saphore/Anadolu Agency via Getty Images) Source: Anadolu / Anadolu/Anadolu Agency via Getty Images
ንሱ ወሲኹ ወተሃደራት ሲኽ ኣብ ሕብረተሰብ ኣውስትራልያ ከም ጓኖት ኮይኑ ኣይስምዖምን እዩ ።
"ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ መልበርን ኣብ ዝርከብ ቤት መቕደስ ሲክ ምስ ልዕሊ ሚእቲ ዝዀኑ ኣባላት ማሕበረሰብ ኽሓብር ከለኹ ፡ እዚ ማሕበረሰብ እዚ 'ድሕሪ ደጊም ጓና" ከምዝኾነ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን ።"
ሚስተር ናደሰን ፡ ማሕበረሰብ ሲክ ሳላ ኣፍልጦ ሓርበናዊ ኣፍልጦ ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ማሕበረሰብ ዝተወሃሃደ ከምዝስምዖ ይኣምን።

"ሓድሓደ ግዜ ካብቲ ዝሰፍሐ ማሕበረሰብ ፍሉይ ምዃንካ ትፈልጥ ፡ እንተኾነ ነገራት ተሓዋዊሶም ንሰባት ከቀራርቡ ከለው ግን ኣውስትራሊያዊ ኮይኑ ይስመዓካ ፡ እዚ ኣውስትራሊያ ከምዝኾነ እዩ ዝስምዓካ ።

ምርረሻ መዓልቲ ኣንዛክ (ANZAC Day) ኣብ ሲድኒ
ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ፡ ኣውስትራልያ ፡ ሰሉስ 25 ሚያዝያ 2023 ፡ ዝተገብረ መዓልቲ ኣንዛክ ፡ ብዙሓት ሰባት ተሳቲፎም ። (Photo by Steven Saphore/Anadolu Agency via Getty Images) Source: Anadolu / Anadolu/Anadolu Agency via Getty Images
እታ ሕጂ ኣብ ጡረታ ዘላ ሚስ ማክኣስላን ምስ እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎም ማሕበረሰብ ቪክቶርያ ዝዓየየት ኰይና: ካብ እተፈላለየ ባህሊ ዝመጹ ሰባት ምስ መዓልቲ ኣንዛክ ኽራኸቡ ከም ዝደልዩ ትገልጽ ።

"ናተይ ትዕዝብቲ ኣብ ታሪኽ ኣውስትራሊያ ኣገዳሲት መዓልቲ ንኽትከውን ነቶም ክረኽቦም ዝመጻእኩ ሰባት ሓደ ክፋል ህይወቶም ክኸውን ድልየት ከም ዘሎ እዩ ።
ኣሌክስ ኢሊንን ወዱን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ 25 ሚያዝያ ፡ ነቶም ኣብ ሰራዊት ኣውስትራልያ ዘገልግሉ ንምዝካር፡ ኣብ ምረሻ መዓልቲ ኣንዛክ ብምስታፍ ከም ባህሊ ኽሕልዉ ሸቶ ኣውጽኡ ።
"ቀጻልነት ናይ እቲ ናይ ኣንዛክ ልምዲ ኣሎ ። ወደይ ናብ ሰራዊት ተጸምቢሩ እዩ ፡ ኣብ ዒራቕን ቲሞርን ደሴት ሰሎሞንን ከም ዓቃብ ሰላም ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ ፣ ስለዚ ፡ እቲ ልምዲ ጽቡቕን ህያውን እዩ ኮይኑ ዘሎ"በለ ።
ኣብ ወጋሕታ 25 ሚያዝያ ፡ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ነቶም ኣብ ሰራዊት ዘገልገሉን ህይወቶም ዝሰውኡ ዝኽሪ ይግበር ፣ እዚ መዓልቲ ዝተመርጸ ብኣጋጣሚ እቲ ኣብ ጋሊፖሊ ዝተፈጸመ ኩነታት ብምግጣም እዩ ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ፡ መዓልቲ ኣናዛክ ካብ ንኣሽቱ ከተማታት ክሳብ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ምረሻ ይካየድ ።
ብዛዕባ ታሪኽ ኣንዛክ ዝያዳ ክትፈልጡ እንተ ደሊኹም ፡ ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ መንግስቲ Anzac portal ን Australian War Memorial ን ተወከሱ ።



*The Returned and Services League

Share
Published 23 April 2024 7:53am
By Olga Klepova, Yumi Oba
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS


Share this with family and friends